Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደንደን

ካፕተን ናይታ ብ23 ሰነ ኣብ ህንዲ ገምገም ባሕሪ ወደብ ማንጋሎር ዝጠሓለት መርከብ “ደንደን “ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ህይወት ክልተ ባሕረኛታት ዝለከመት ብኮርፖሮሽን ቀይሕባሕሪ (ህግደፍ) እትውነን መርከብ፡ “ናይ ኢንጂነር ጉድለት ምዃኑ” ከምዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ማንጋሎርያን’ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እታ ናይ ኤርትራ መርከብ “ደንደን” ኣብ ማያት ማንጋሎር ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን "ዘይብቑዕነት ሓለዋ ባሕሪ ናይቲ ቦታ ከምዝተራእየ፡ እቶም ባሕረኛታት ብሓገዝ ገፈፍቲ ዓሳ ናይቲ ከባቢ ከምዝደሓኑ፡ ነቲ ሓደጋ ዝረኣየ ኣሽሓት ህዝቢ ይምስክር" ይብል መርበብ ሓበሬታ ማንጋሎርያን። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብ'ዚ ጠውቑ ።/  ስእላዊ መግለጺ ናይ’ቲ ኩነታት ንምርኣይ ኣብ’ዚ

READ MORE

Rescue“ደንደን” ብዝብል ስም እትፍለጥ ናይ ኤርትራ መርከብ፡ ሎሚ 23 ሰነ ካብ ወደብ ማንጋሎር (ህንዲ) 300 ሜትሮ ካብ ገምገም ባሕሪ ርሒቓ ድሕሪ ምጥሓላ ክልተ መርከበኛታት ክመቱ ኸለዉ 12 ከምዝቖሰሉ  መርበብ ሓበሬታ ማንጋሎርያን ኣፍሊጡ።