Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ሚንስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎን የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ ኮይኑ ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ብምንጥጣፉ ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ)  ኣህጉራዊ ናይ መገሻ እገዳ ክገብር ከምዝወሰነ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብቲ ኣብ ነውዮርክ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።

ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኣብ 1977 ናብ መስርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሰብ በቲ ንቡር ታዕሊም ሜዳ ሓሊፉ ናብ ተዋጋኢ ሓይልታት ተሰሊፉ ግቡኡ ፈጺሙ። ኣብ 80ታት ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ማለት ክፍሊ 72 ተመዲቡ ክሳብ ናጽነት፡ ውድብ ናብ ዝለኣኾ ክዋፈርን ክሰርሕን ጸኒሑ።