Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Naizghiኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።

cabineባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።