Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ!!

ህዝባዊ ማዕበል ዝዓግት ሓይሊ ከምዘየሎ፡ ኤርትራውያን ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ፡ ብከቢድ ክቡር ዋጋ ብሉጻት ዜጋታትና፡ ዝዓነወ ዝተራሰየ ሃብትና፡ ስደት ማሕበራዊ ምዝንባልና፡ በሰልኡ ገና ዘይሓወየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉዳትና፡ ድምር ኩሉ ኩቡር ዋጋ ከፊልና ናጽነት ኣረጋጊጽና።

ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳዶር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል። ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳዶር ኣብ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ጽቡቕኩም ሕማቕኩም ታሪኽኩም ክንገልጽ ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኣይትቀየሙና።