Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕቡእ-ቪድዮ ካሜራ ዝተቐረጸ ‘መንግስቲ ዘእንግዶ ራዕድን ፍርሕን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ምስክርነት ኣብ መደባታ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብራዕዲ ተዋሂጡ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወረድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣቃሊዓ። 

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገር ኖርወይ፡ ንጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪተን ብቐጻሊ ሻቕሎተን ከቃልሓ ጽኒሐን። እቲ ብዝያዳ ዘሻቐለን ዘሎ ድማ እቲ ደረት ዝሰኣነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽተል ህግደፋዊ መዓት እዩ።

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።