Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Human Rights Concern ሎሚ ቅነ ይሃምምን ይነጉድን ኣሎ። ስለናይቲ ደመናን ሰርብን ሓርየት ይሽትት ኣሎ። እሞ’ኸ ድኣ እዚ ኣዝመራ ይምልከተና ድዩ? እሂናይ ድኣ ከመይ ዘይምልከተና። ኣይ ንሕና እንዲና ግዳ ንጥላለት ፍትሒ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር መስዋእትነት ዝኸፈልና።

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።



harat

እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ናብ ባጽዕ መጺኣ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝተመረቐት፡ 350 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዋ፤ኣብ ሓደ እዋን 2800 ገያሾ ከተእንግድ እትኽእል፤ኣብ ዝባና እውን ሄሊኮፕተር እተዕልብ ምዃና ዝተነግረላ ናይ መጓዕዝያ መርከብ፡ ዋላ እኳ ዞባዊ መገሻታት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራዊ መገሻታት ድማ ናብ ዓሰብ ክትገብር ምዃናን፡ ስርሓ ካብ ጂዳ ናብ ባጽዕ ብእትገብሮ ጉዕዞ ከምትፍልሞን ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብኣግኡ ከምዝተሰወረት ምንጪታት ውሽጢ ኣረጋጊጾም።

ስርዓት  ህግደፍ ን መንእሰይ  ኤርትራ ግዱድ  ዕስክርና  ነጻ ጉልበት ብምጥቓም መጻኢ ሂወቱ  ኣጸልሚቱ  ባርያ  ናይ  ሰበስልጣናት  ገርዎ  ይርከብ ።  ነዚ  ግዱድ  ዕስክርና ዝመረሮም  በሽሓት  ዝቑጸሩ  መንእሰያት  ድማ  ብሰንኪ  እዚ  ስርዓት  ዝፈትውዋ  ሀገሮም ገዲፎም  ካብ  ቅድሚ  ሕጂ  ተራእይዎ  ዘይፈልጥ  ቑጽሪ  ናብ  ጎረባብቲ  ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ ።

ሶነዛ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዋ ን ወ/ሮ ሶፍያ እትምልከት ናይ ‘ደወል’ ጽሕፍቲ ምስቲ ኣሰንዩዋ ዘሎ ስእልታት ምስ ኣንበብኩ ምስ ዝሓደረኒ መረዳእታ ትሰማምዑ ኣንበብቲ ክረክብ ተስፋ እገብር። መረዳእታይ ከካፍለኩም፡-