Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Asenaጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሶማል ንኣሸበርትን ፈጠርቲ ራዕድን ብምሕጋዙን፡ ብጉዳይ ዶብ ምስ ጅቡቲ ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓብ፡ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዶብ ብዘይ ምቕያዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወድእታ ሰሙን 2009 ናብ ውልቀ መላኽን ጭፍርኡን ዘነጻጸረ ናይ ኣጽዋር መሸጣን ዕድግን ዝኽልክል፡ ኣብ ደገ ብስም መንግስትን ውልቀ ሰባትን ንዘሎ ንብረትን ገንዘብን ዘደስክል፡ መስል ምንቅስቓስ ሰበስልጣናት ዝሓጽር ውሳነ ሓሊፉ ኣሎ።

ብጠባዮም ይኹን ብተግባሮም ምስ እዞም ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝገዝኡና ዘለዉ ህግደፋውያን ዝመሳሰሉ “ብመምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን” ንዝፍለጡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክወቕሶም ከሎ ከምዚ ይብል፡