Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጸገምን ኣደራዕን እንታይ ይመስልን ከመይ ጌሩ ክፍታሕ ይኽእልን ብዙሓት ተባዓት ዜጋታት ብድርሰታዊ ክእለቶም ብደርፎም ብግጥሞም ኮታስ ብኽገልጽሉ ዝኽእሉ ኣጋባብ ጌሮም ናብ ዘይፈለጠን ዘይተረድኤን ከረድኡን ሓሳባቶም ከሰጋግሩን ፈቲኖም፡፡ ንስምዓዮም ኣይንስምዓዮም ኣይኮነን እቲ ሕቶ፡፡ እቲ ሕቶ እቶም ዝኽእሉ ዜጋታትሲ ሓላፍነቶም ይገብሩ ኣለው፡፡