Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Birminghamኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ  ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም  ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን  ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።

ስርዓት ህግደፍ ተሓቢኡሉ ዘሎ መጋረጃ ማለት ጸጋማዊ ስነሓሳብ፡ ኣውራጃነት፡ ናይ ከበባ መንፈስን ሓሶትን ጃህራን ትምክሕትን ምካኑ ብምስትብሃል፤ ከም’ቲ ጲላጦስ ኢዱ ሓጺቡ ካብ’ዚ ደም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ነጻ እየ ዝበለ ካብ’ዚ ብጃንዳ ህግደፍ ዝፈስስ ዘሎ ደም’ዚ ህዝብ’ዚ ነጻ እየ ንምባል ክብቃዕን፡..ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ሳቦያ ኢልኩም ነዚ መጻዪን ሽበራው’ን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪክ ጎሓፍ ንምድርባይ ስጉምቲ ሕጂ ውሰዱ እንዳበልና ንጽውዕ።. 

መሪሕነት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብዕለት 2 ወርሒ መስከረም 2007 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ሃገርናን ንምዝታይ ተጋቢኡ ውዒሉ።