Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ህግደፍ ምዕራባዊ ዞና ሰሜን ኣሜሪካ ካብ 14 ነሓሰ ስጋብ 16 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብዘይ ሓደ ፍረ ተዛዚሙ። ሕግደፋዉያን ዘመኖም ከምዘብቅዔ ከም ጸሓይ ቀትሪ ተኾሊዑሎም። ዘይተኣደነ ገንዘብ እዮም ኣጥፊኦም ኣለና ንኽብሉ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ግና ኣይግድን። ናብቲ ባህላዊ ምሸት ዝኸዱ መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንቲ ኣብ ርእሲ ምኻኖም እቶም ዝርካቦም ዓበይቲ ድማ ነቲ ስርዓት ኣሚኖምሉ ዘይኮነስ ንቆርጫጭ ክርእዩ ኢሎም እዮም ከይዶም።  ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣዳልዮም እተን ቅድሚ ሕጂ ዝሳተፋ ዝነበራ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕዳ ጋንታት ስለ ዝኣበያ እቲ ዉድድር ኣብ ዓሰርተ ሓሙሸተ ዘይበጽሑ ሜዳ ዘይመልኡ ተጻወቲ’ዩ ተሓጺሩ። እዚ ካብ ሰለስተ ስጋብ ኣርባዕተ ሽሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ዝነበረ ውድድራት ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚእቲ ዘይበዝሑ ሰባት እዮም ተሳቲፎሞ። እቲ ህዝቢ ብሃንቀዉታ ዝተጸበዮ ጸወታ ግና ግጥም ህግደፍን እባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን እዩ ኔሩ።

westተባሂሉ ክበሃል ዝሰማዕኩዎዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት’ዩ፡ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ዝጸንሐ ልሙድ  ኣሰራርሓ መግስቲ ኤርትራ ፡ ሓደ ፍሩይ በዓል ስልጣን ንህዝቢ ዓዲሙ ኣኼባ ኣጋቢኡ ወዓለ’ሞ፡ መግለጺታቱ ድሕሪ ምዝዛም’ውን፡ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ተሰግረ። ነዚ ዕድል’ዚ ክጥቀመሉ ዝመረጸ ሓደ ዜጋ፡ ግደ ድሕሪ ምርካቡ፡ ብነድሪ፡ “እዚ ኢንተርነት ዝበሃል፡ ጠጠው ዘይተብሉዎ።“ ክብል፡ ንብዓለማ ካን ኩንን ከብላን፡ ካብ እዚ ተባሂሉ ዝብሃል ዘይመቕሰኒ ሓንብን ንሓዋሩን ያኢ ምኸዕርፍ፡ ብዕቱብነት ሓቲቱ ይበሃል።