Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asenaእዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ABካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።

MoE እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።