Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Is

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መስርሕ ቃልሱ ንናቱ ስልጣን እምበር ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ይህቦ ከምዘይነበረ ሓቢረ ነይረ፡፡ ካብዚ ድርኺት’ዚ ነቒሉ ሓደ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዚመስረተ ‘ውን ተኸታቲልና፡፡ ኣብ 1977 ዓ.ም. ድማ ሓቅን ፈጠራን ደባሊቑ ነቲ ናይ ሰልፊን ናይ ውድብን ዝሰመዮ ጉባኤታቱ ከምዘካየዶ ርኢና፡፡

isuይትረፍዶ ነቲ ኣብ ሜዳ ዘይነበረ፡ ነቲ ኣብ ህ.ግ ተሰሊፉ ከብቅዕ፡ ግን ኣባል ናይ’ቲ ምስጢራዊ ስርርዕ፡  “ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ“ ዘይነበረ ኤርትራዊ‘ውን እንተኾነ ነቲ ረቂንቕን ሕልኽልኽ ዝበለን አገባብ አሰራርሓ ናይቲ ውድብ ክርድኦ ቀሊል አይኰነን፡፡ ንኣሰራርሓ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ምፍላጥ፣ ነቲ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ  ኣገባብ ኣካይድኡ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን ኢለ ስለዝኣምን እንሆ ንምብርሁ ወሲነ ኣለኹ፡፡  ንኣንባቢ ከይስልችዎ መታን ድማ ጽሑፈይ ብኽፋላት ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡