Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

gashኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ዕለት 8ን 9ን ሚያዝያ 2010 ኣብ ሃደምደም ፋንኮን ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ወርቂ ምፍሓር ስርሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን በስገዳድ ንምዕስካሮም ብወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተፈጸመ ማሀረምትን ምድፋእን ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ካብ ወተሃደራት ስርዓት ኤርትራ ሓደ ወተሃደር ሞይቱ።

pia

ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ABካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

MoE እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ። 

wegእቲ ብስም ስማዊ ሰብ ብርኪ ዝውነን ዝበሃል ዝነበረ ደሓረይ ግና እቲ ሓቀኛ  ዋንነቱ ናይ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ { ህግደፍ} ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ትካል ስርሑ ደው ኣቢሉ ካብ ዝዕጾ ክልተ ሰሙን ገሩ ኣሎ። ሰራሕተኛታት እቲ ሆተል ድማ ኩላቶም ብ መሰረት ኮንትራክት ተቖጺሮም ብምንባሮም ብሙሉኦም ካብ ስራሕ  ከም ዝተፋነዉ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም::

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

BCመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ።