Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

June 20ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ  ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።

ሰነ 20 መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ሊድስ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ መደብ ብማሕበረ ኮም ኤርትራ ከተማ ሊድስ ዝተወደበ ኮይኑ ኣዳራሽ ብምክራይ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ሊድስ ብእዋኑ ናብቲ ንመራኸቢ ዝተመደበ ቦታ ብምውሓዝ ሓቢሮም ንሰማእታቶም ብሕልና ዘኪሮም ኣምስዮም። እዚ ኣብ ከተማ ሊድስ ንመበል 4ይ ዓመቱ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ ክቡር ዕለት ከምቲ ልሙድ ሽምዓ ብምብራህ ንሕድርን ለበዋን ጀጋኑ ሰማእታት ዘንጸባርቕ መዝሙር ተዘሚሩ መደረታት ብዝተፈላለዩ ወልቀሰባት ድማ ተሰሚዑ። 


VoMD June 22, 2006 Broadcast

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ መሰልና ደሊና፡

ብግዝያዊ ተክኒካዊ ምኽንያት፡ ንፈነወ ኢንተርነት ድምጺ መሰልና ደሊና ኣብ ዓዋተ.ኮምን ኣሰና.ኮምን ክትከታተሉዎ ከምእትኽእሉ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።

ንዓዋተ.ኮምን ንኣሰና.ኮምን ብዝገበሩልና ምትሕብባር ነመስግን።


VoMD June 22, 2006 Broadcast

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ መሰልና ደሊና፡

ብግዝያዊ ተክኒካዊ ምኽንያት፡ ንፈነወ ኢንተርነት ድምጺ መሰልና ደሊና ኣብ ዓዋተ.ኮምን ኣሰና.ኮምን ክትከታተሉዎ ከምእትኽእሉ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።

ንዓዋተ.ኮምን ንኣሰና.ኮምን ብዝገበሩልና ምትሕብባር ነመስግን።

20 seneፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ።