Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

waelaሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ከመይ እላ ከም እተመስረተት ገሊጽና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። ይኹን ደኣምበር ዘራግት ማይ ዘላተን ከብቲ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝበሃል ፤ ገለ ውልቀ ሰባት ሕማቅ እምበር ጽቡቅ ክሪኡ ዘይፈትው ብኻሊእ መንገዲ ሕማቅ ክሪኡ ዝሕጎሱ ጽቡቕ ክሪኡ ክነብዑ ዝሓድሩ (Sadist) ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከምዘለው ኩልና እንፈልጦ ነገር እዩ።

San Joseክቡራት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣቐዲምና ድሕነትኩም ንትምነ ቀጺልና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ተመስሪቱ ንዘሎ ሓድሽ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ክነላልየኩም ንፈቱ።

bay areaኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።