Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

መእተዊ: ብዘይ ምጥርጣር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ ይሳቀ ከምዘሎ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ዉድባቱን ቃልሶም ጠጠዉ ኣየበሉን ይኩን፡ እምበር እቲ ቃልሲ ኣብ ገለ ምድረኽ ይደክም ኣብ ገለ መድረኽ ከኣ ይብርትዕ ምንባሩን ምህላዉን’ዉን ንኩልና ብሩህ እዩ። ብፍላይ ከኣ እተን ተቓወምቲ ዉድባት/ተስፍታት ኣብ ገለ መድረኻት ይሰማምዓ ኣብ ገለ መድረኻት ከኣ ሰለዝበኣሳ ኢቲ ቃልስቲ ከምቲ ዝድለ ኣይደንፈዐን ዘሎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ብዓዋተን መሰልና-ደሊናን ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ ጸለመን ዘለፋን ክካየድ ቀንዩ ‘ ሎ ። ብዙሓት ሰማዕትን ተኸታተልትን ኣሰናን እተን ወብሳይታትን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለኩም ቅሬታን ሓዘንን ብ ኢ-መይል ቴለፎንን ክትገልጹልና ቀኒኹም። ኣንፈት ናይዚ ጸለመን ዘለፋን ካብ ሓያለ ሰሙናት ኣትሒዝና ኣስተብሂልናሉ ‘ኳ እንትጸናሕና፡ ኣብዚ ህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ህግደፍ ጥሒሉ ሓገዝን ተስፋን ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ መሪርን ከቢድን ግዜ፡ ነቲ ዝርካቡ ገጻት መርበብናን ቀለም ብርዕናን ንቖየቛን ምምልላስን ኣሕሊፍና ክንህቦ ፍቓደኛታት ኴንና ኣይጸናሕናን። ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ‘ውን መርገጺና ኣይተቐየረን።