Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

Mihret ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት  ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።

Redመንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ። 

wegእቲ ብስም ስማዊ ሰብ ብርኪ ዝውነን ዝበሃል ዝነበረ ደሓረይ ግና እቲ ሓቀኛ  ዋንነቱ ናይ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ { ህግደፍ} ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ትካል ስርሑ ደው ኣቢሉ ካብ ዝዕጾ ክልተ ሰሙን ገሩ ኣሎ። ሰራሕተኛታት እቲ ሆተል ድማ ኩላቶም ብ መሰረት ኮንትራክት ተቖጺሮም ብምንባሮም ብሙሉኦም ካብ ስራሕ  ከም ዝተፋነዉ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም::