Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ “ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ” ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ናይ ኣሰና መርበብ ሓብሬታ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሳቲፍናዮ ነርና።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ብዓዋተን መሰልና-ደሊናን ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ ጸለመን ዘለፋን ክካየድ ቀንዩ ‘ ሎ ። ብዙሓት ሰማዕትን ተኸታተልትን ኣሰናን እተን ወብሳይታትን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለኩም ቅሬታን ሓዘንን ብ ኢ-መይል ቴለፎንን ክትገልጹልና ቀኒኹም። ኣንፈት ናይዚ ጸለመን ዘለፋን ካብ ሓያለ ሰሙናት ኣትሒዝና ኣስተብሂልናሉ ‘ኳ እንትጸናሕና፡ ኣብዚ ህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ህግደፍ ጥሒሉ ሓገዝን ተስፋን ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ መሪርን ከቢድን ግዜ፡ ነቲ ዝርካቡ ገጻት መርበብናን ቀለም ብርዕናን ንቖየቛን ምምልላስን ኣሕሊፍና ክንህቦ ፍቓደኛታት ኴንና ኣይጸናሕናን። ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ‘ውን መርገጺና ኣይተቐየረን።