Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርሖ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ህጽር ዝበለ ጸብጻብ ምቕራበይ ገገለ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ክጠቕስ እፈቱ።

ብኣባል ኣሰናዳዊት ሽማገለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓው ኣምሃ ደመኒኮ ዝተመርሔ ኣኸባ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ኣብ ናይ ኣኸባታት መጋብኣያ ኣደራሽ ሽስታ ትሬፍ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ማእከል ዝገበረ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ተኻይዱ።

መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘማእክልዎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ተዳሊዩ ኣሎ።

Swedenሎምዘመን እውን ከም ዓሚ ሕብረት ኤርትራውያን/ ስዊደናውያን ብርገሳውን ፖሊቲካውን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ፣

Swedenኣባለት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር ንማዕቀብ ብይን ቁጽሪ 1907 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዓሙቕ ዘተ ብምክያድ፡ ሕጋውነቱን ኣድማዕነቱን፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ፖሊስኡን ዘነጻጸረ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዃኑን፡ ንጸረ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግጉይ ፖሊስኡ ዝገትእ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ። ምዕራፍ ቁ. 7 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ብምኻድ ዘትይሉ።

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኬዳን ካብ ወርሒ መስከረም ዝጀመሮ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ መሰረት ብምግባር፡ ኣምባሳደር
ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሽር ይስሃቕን ልኡኽ ወጻኢ ጉዳያት ፡ ኣብ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዕዶቶም ይቅጽል
ኣሎ።

ንሕና ኣሕውትኩምን ኣሓትኩምን ኤርትራውያን ተቀማጦ ሃገረ ስዊደን፣ ብኩነታት ሕዝብና ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰርትን፣
መቅተልትን፣ ምህዳንን ዝርከብ ንግደስ፣ እዛ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፣ ምዕዶን መለበምን ከነቅርበልኩም ንፈቱ።

DPሰሚናር ኣብ ስቶክሆልም – ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ (ኣካል ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ): ኣርእስቲ  ዘተ፡ ቅልውላው ኤርትራን፡ ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ! (ህግደፍን፡ ተቓወምትን)

 khalid….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::