Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዛፊበቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

libiድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልስን ናጽነትን ርጉጽን ዘየወላውልን እዩ። ህዝብና ብቓልሲ ናጽነት ንምጭባጥ፡ ብናጽነት ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ዝነገሳ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምህናጽ ንጹር ራእይ ነይሩዎ።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።