Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት  ህግደፍ : “ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ  ምትእትታው  የብለይን” ኢሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኽሕደሉ ዘሎ እዋን ፡ ክልተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቱ ኣብ ሶማልያ ተሸሪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንጥሩፋት እስላማውያን ተቓወምቲ ሶማል እትህቦ ደገፍ ብምቕጻላ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸጣን መገሻን  እገዳ፡  ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረትን ጸጋታትን ዘጠቓለለ ንድፊ – እገዳ ኣርቂቑ ንውሳኔ ኣዋዲዱዎ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

Carson

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተመዘ ጆኒ ካርሰን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ዝምድና ከተማሓይሽ ትደሊ እንተደኣ ኮይና ነቲ ኣብ ሶማልያ ትገብሮ ዘላ ኣሉታዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣተሓሳሲቡ።