Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Asena Donations ድምጺ ኣሰና ሰኑይ 8 መጋቢት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ከተቋርጽ ምዃና ድሕሪ ምሕባርና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብቴለፎንን ኢመይልን ስምባዲኦም ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ቀጻልነት ኣሰና ንምርግጋጽ፡ ከም ቀወምቲ ኣባላት ተመዝጊቦም ቀጻሊ ወፈያ ክገብሩ ድሉውነቶም የረጋግጹ ኣለዉ።  እዚ ተበግሶ እዚ ግን፡ ብተሳታፍነት ብዙሓት ግዱሳት ጥራይ ክዕወት ከምዝኽእል ብምግንዛብ ከኣ፡ ብመሰረት ርእይቶን ግብራዊ ተበግሶን ህዝቢ ነዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ሓሳብ ነቕርበልኩም።

ኣቦታትና፡ቁልዕነት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል፡ተመኩሮ ዝጎድሎ ስራሑ ብጽቡቕ ለኪዑ ስለዘየጠናቕቕ፡ቆልዓስ ይጎዩምበር ኣይቅድምን ይብሉ።

ኣብ ህግደፍ ዘለው ሰባት ቆልዑት ኣይኮነኑ፡ብብዝሒውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ተመኩሮውን ዘይነኣኣስ ተመኩሮ ዘማዕበሉ ምኳኖም ዘይከሓድ እንተኾነ፡መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ግን ካብ ምጉያይ፡ሓሊፎም ኣብ ዓወት ዘብጽሕዎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ የለን።