Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ ኣድማ ከይጅመር ኣብ ሻቕሎት ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገነይቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጎነ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምምሕዳር ከተማ ሰገንይቲ ንቐንዲ ቀሺ ናይቲ ዓዲ ንሳዋ ኪኸይድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡

Amanuel Eyasu በቕሊ ዝረኸቡ ፈረስ እንተደለዩስ ሽፋ ይግበረሎም፡ እዞም ኣድጊ ዘይብልና በቕሊ ክንዕቕ ግን ኣይግድን !

Eritrean Air Forceቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንግዚኡ ክንጠቕሶ ኣብ ዘይደለና ሃገር ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ 19 በጺሑ ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጾም።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

ERቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ መበል ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2008 ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ብ 40 ሚኣታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ኸኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ስዊዝ ኢንፎ ዝተባህለ ናይታ ሃገር መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።