Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓልዮት ማሕበረ-ሰብ ዮተቦሪ ዝፍኖ ረድዮ  ( ደጋፊ ህግደፍ ) አብ ናይ ቀዳም ዕለት 02 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም መደቡ፣ ሓደ ፓነል አቕሪቡ ምምባሩ ዝዝከር ኢዩ።   አብቲ  ዝቐረበ ፓነል ዝዝረብ  ዝነበረ  ካብ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮን   ንክትሰምዖ ዘርምምን እዩ ኔሩ።

Miriam Meronተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛ፣ ዋና ጸሓፊት ናይ ኤርትራውያን  ጋዜጠኛታት ማሕበር ኣብ ስደት፣ኣባል ኤምዲሰመ፣ ኣባል ስድሪ፣ ኣባል ኤትራውያን ንሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ኣባል ጉጅለ ተሓባበርቲ ምድላው ናይ ብራስልስ ኮንፈረንስ (Reference Group)፣ ኣባል ነበር ናይ Eritrean Room for A Strong and United Opposition (መጸውዒ ስም ኒግሮ)፣ ወዘተ…

ዝኸበርኩም ክቡር ወላዲናን ኣቦናን ኣቶ ቀለታ ኪዳነ። ብመጀመርያ ከም ወላዲ መጠን ዕድመን ጥዕናን ረኺብኩም ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ናብራ ከተሕልፉ ዘለኒ ልባዊ ሓልዮት ክገልጸልኩም እንከለኹ: 

ዝኸበርካ ሓው ወልደየሱስ፡

ውድብኩም፡ ብዘይቅቡል ምኽንያታትን ምስምስን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንምስታፍ ብዝምልከት ዝወሰዶ ነጻጊ መርገጽ ምስ ረኣኹ፡ እዛ ሎሚ ዝልእካ ዘለኹ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ ዶ ኣይጽሕፈልካን ኣብ ዝብል ሓሳባት ኣቲየ።

isaiasዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-

ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣

ዝኸበርካ በሺር ኢሳቕ ዓብደላ ዎ ዝኸበርካ ኣምሃ ደመኒኮ፡ ምስ ኣሰና ዝገበኩሞ ቃለ-መሕትት ሰሚኤዮ።ኣቐዲመ ነቲ ክትገብርዎ ትሓስብዎ ዘለኹም ዋዕላ  ረቢ የቃንዓልኩም ኣምላኽ ከኣ የሳልጠልኩም ክብል ኣፍቅዱለይ።

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ብራሰልስ ዝተገብረ ምስጢራዊ ዋዕላ ንዓና ንደቂ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለየናን ዘሰሓሓበናን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ዋዕላ ብራሰልስ ተወዲኡ ስምብራቱን ኣብ ተቓውሞ ደምበ ዘስዓቦ ፍልልይን ቂምታን ምድኻምን ከይተወድኤ ሎሚውን ካልእ  ካብ ዕለት 18 ዲሰምበር ጀሚሩ ዕለት 20 ዝውድእ ናይ ዓርከይ ዓርክኻ  ምስጢራዊ ዋዕላ ኣብ ሎንዶን  ክግበር ዓቢ ምሽብሻባት ይግበር ምህላዉ ይነፍስ ኣሎ።

እንታይ’ዩ ወሪዱኩም ጳጳሳት ኤርትራ፡

ቅዱሳት ተባሂልኩም ተቐቢእኩም፡ተዋሂብኩም ሓደራ፡

እንታይ ኣስፈረኩም ኣብ ድሕሪት ከም ጭራ?

መንፈስኩምን ስጋኹምን ተቓሊሰን፡ስጋኹም ንመንፈስኩም ምስ ሰዓራ፡

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስሎ ዘለኻ ሃገራዊ ዕማም ምሉእ ጥዕናን ዓወትን እምነየልካ።
ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመርካዮን ክሳብ ሻቡዓይ ክፋል ዝበጽሕ ተኸታታሊ ጽሑፍካ እከታተሎ ኣለኹ። ትሕዝትኡን ኣቀራርmበኡን ብዘየገድስ ኣንጻር’ቲ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ፈጺመ ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ግን ኣብ መሪጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ጽሑፍካ ኣይግድን! ከመይሲ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ጊላነት ) ዝብል ዘሎ ካብቲ ብተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዝነበረን ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ዝተንተነን ዘቃልዐን ከም ውጺኢቱ ኽኣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማህረሉን ንኽቃለስ ዘለዓዓለን ጽሑፍ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ባርነት) ዘፍልዮ እንታይ’ዩ? ነታ ባርነት እትብል ቃል ጊላነት ስለዝቐየርካ? ኣይፋልካን ዓገብ! መምህር ተስፉ። ጊላነት ማለት እኮ ባርነት ማለት’ዩ።

ሰላም ድምጺ ኣመሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ፡ ንሕና ኣባላት መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ መደባትኩም መዓልታዊ ንከታተሎ ኢና። ገለ ካብቲ ጽቡቕ መደባትኩም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝብል ጽቡቕ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ኣሕዋትን ጎረባብትን ንዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ንምምጻእ እትገብርዎ መደባት   ዝነኣድን ዝምጎስን ኢዩ።

isu

ከመይ ቀኒኻ ከይብለካ፡ ከመይ ትነብር ከምዘለኻ ዝጠፍኦም ሰባት ሒዶት ክኾኑ ከምዝኽእሉ መጠን፡ ንይምሰል ካብ ዝሓተካ ርዱእ ንውሰዶ። ደብዳበ ንክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ውን ኩነታት ጥዕናኻ ኢዩ።

ንሕና ከም ሰብ መጠን በቲ ኣብታ ጥንታዊት እምነትና እትፍጽሞ ዘሎኻ እከይ ተግባራት ኤህህ!! ኢልና ምረገምናካ፣ኢየሱስ ግን ንዝበደሉና ክንረግም ዘይኮነ፣ንዝረግምኹም መርቑ ኢሉ ኢዩ ምሂሩና፣ካብኡ ሓሊፉ ነቶም ኣብ ግዜ ስቕለቱ ብዅናት ዝወግእዎ፣ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ነገር ዘስተይዎ፣እሾኽ ኣኽሊል ዝደፍእሉ፣ብመሳምር ምስቲ መስቀሊኡ ዓንዲ ዝሸንከርዎ ዘላገጹሉን ንሱ ዝበሎ ነገር እንተድኣ ነይሩ፣

ኣብዚ ዝሐለፈ ሳምንታት ዝተፈላለየ ጸለመ ኣንጻር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን (ማ.ም.ኤ) – ቦስቶን፡ ብህግደፋውያን ክጽሓፍ ቀንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክላ ማሕበራት፡ ነቲ ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ ተኻሬን ክጥቀማሉ ስለዝተፈቕደ።

ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ።

ንሕና ኣሕውትኩምን ኣሓትኩምን ኤርትራውያን ተቀማጦ ሃገረ ስዊደን፣ ብኩነታት ሕዝብና ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰርትን፣
መቅተልትን፣ ምህዳንን ዝርከብ ንግደስ፣ እዛ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፣ ምዕዶን መለበምን ከነቅርበልኩም ንፈቱ።

ከም ኣረዳድኣይ እዚ ሎሚ ዝህነጽ ዘሎ ፓርቲ ንዑ ምሳይ ጥራሕ ተወደቡ ዝብልዩ ኢለ ኣይግምትን። ኣነ ውድበይ
ኣቐሚጠ ምስ ህዝቢ ክብገስ ወሲነ ኣሎኹ ክብል ከሎ ከኣ ካብቲ መግለጺታቱ ተበጊሰ ካልኦት ውድባትውን ከምቲ ናቱ
ከገብሩ ዝጸልእን ዝቃወምን  ኣይመስለንን።

ጠለብ ዘለናዮ እዋን፡ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ውድድር ውድበይ ውድብካ፤ ሰለፈይ ሰልፍካ አይኮነን።

ዝኸበርኩም መራሕቲ ዉድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሳዊ ኪዳን ተካፈልቲ ኣኼባ ጥሪ 15, 2008፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም፡፡ ከም’ዉን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምጥቃም እንቋዕ ናብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ንክትሰጋገሩ ኣብቕዓኩም ንብል፡ ዓመት ሰላምን ፍቅርን፡ ዓመት ራህዋን ፍትሕን ክዀነልና ዘሎና ሰናይ ትምኒት ድማ ንገልጽ።