Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

alenaኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።

ጀርመን ኣብ ኣርበዓታት፣  ኤርትራ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም!

Alenaብድሕሪ ኲናት ባድመ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ሚለንየም ጉሒላ ኢሳይያስ ‘ተንኮለኛ ጉድጓድ ንኮዓቲኣ’ ኮይኑዎ፤ ህድኣትን ሰላምን ኣይረኸበን። እዛ ዘለናያ ዓመተ-2011 ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተኾልኲሉዎ ዝወፈረ ናይ ጥንቲ ድጉል ሕልምታቱ ዝቐበጸላ ዓመት ኢያ። “

Alena

ርሑስ በዓል ትንሳኤ፣ ንኩሉኹም ምእመናን ክርስትና!

“ጽሑፍ ይነውሕ ኣሎ” ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ ተኸታተልትና ክንቅበል ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብዛ ክፋል እዚኣ ንደሓር ኣብ ክንዲ 6-7 ገጻት፤ ናብ 4-5 ገጻት እናኣሕጸርና ክንቅጽል ኢና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደምበ ኣለና ኣርባዕተ መድረኻት ተሰጋጊሩ ኣሎ። 1) ሓበሬታ /Information/ ካብ ምጅማር ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክሳብ መደምደምትኡ መበል 20 ክፋል ሓበሬታ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። በዚ ድማ ንኩላተን ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኢንተርነት፣ ንድምጺ ኣሰናን ንማሕበረ-ሰባዊት ረድዮ ወጋሕታን ዓቢ ምስጋና ነቕርብ።

Alenaመሪር ሓዘን ህልቂት

ልዕሊ 325 መንእሰያት ኤርትራውያን ደጊምና ንዘክር!

ሓዘን ኤርትራውያን መመሊሱ ይቕጽል ኣሎ። ጉዳም ዘመን! ኣብ ምድሪ ቤትን ቅርዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ርእሲ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ ኣሎ።

Alenaክቡራንን ክቡራትን ደቂ ኤርትራ! ትማል ዓቢ እምባ ኤርትራውያን ፈሪሱ!!! ሞት 325 ዜጋታትና ሰሚዕና። እዚ ረዚን ሃገራዊ ሓዘን ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ኣብ ዝሰራሰረሉ ግዜ፣ ዝርንዝሕ ነቢዕና።

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።