Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኪና ህግሓኤ ሓደ መራሒን ብርክት ዝበሉን ተሓጋገዝትን ሒዛ ነስመራ ክትኣቱ ከላ ምስኪናይ ህዝብና፣ “ደጊም ሞት ከም ኣዳም፣ ሃገርና ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውን’ያ! ደርጊ ካብ ጠፍአ ኩሉ ሓጥያትና ንግፍ ኢሉ ምስኡ ክበንነልና’ዩ! ኣምላኽ ነዛ መዓልቲዚኣ ከየርኣኻ እንቋዕ ኣይቀተልካና፣ ወዘተ” ዘይበለ ኣይኮነን፣ እዚ ትምኒት’ዚ ከም ጨው ሓቒቑ ክተርፍ ግን ግዜ ኣይወሰደን።

ወዲ ጕላይ ከም ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ንኣስታት ሰለሰተ ዓመታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ። ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምስ ቀረበ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን  ገበን ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰርን 1.2 ሚልዮንን ክኸፍልን ወይ ድማ ገንዘብ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ ብኣጠቓላሊ ሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተበዪኑሉ።  ወዲ ጕላይ መን’ዩ? እንታይ ገበንከ ፈጺሙ ኣበይ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኹ ንመልከት።