Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዓድታቶም ብግዴታ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጋሽ ናይ ዝሰፈሩ ስድራቤታት ቆልዑ፡ ምቅይያር ክሊማ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማማት፡ ዓሶን ጥምየትን ተጠቒዖም ብብዝሒ ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።