Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

ናብ ሰሜን ኣመሪካ ንምእታው ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ኣብ ፓናማ ሲቲ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 25 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ምዃኖም ስለዝተነግሮም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።