Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Girmayኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ  እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።

PFDJእቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

harat

እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ናብ ባጽዕ መጺኣ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝተመረቐት፡ 350 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዋ፤ኣብ ሓደ እዋን 2800 ገያሾ ከተእንግድ እትኽእል፤ኣብ ዝባና እውን ሄሊኮፕተር እተዕልብ ምዃና ዝተነግረላ ናይ መጓዕዝያ መርከብ፡ ዋላ እኳ ዞባዊ መገሻታት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራዊ መገሻታት ድማ ናብ ዓሰብ ክትገብር ምዃናን፡ ስርሓ ካብ ጂዳ ናብ ባጽዕ ብእትገብሮ ጉዕዞ ከምትፍልሞን ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብኣግኡ ከምዝተሰወረት ምንጪታት ውሽጢ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

﷽ብሓቂ ንእሱር መሳርሕትኹም ክትሕግዙ ድልየት እንተልዩኩም፡ ብዛዕብኡ ንእትዝርግሕዎ ጽሑፋት ንዅነታቱ ከማሓይሽ ዝኽእል እንተዀይኑ ክትሓስብሉ ዘሎኩም ኢዩ﻾። ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ብተሌፎን mበዛዕባ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ነቐፈታ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕባለ ኢላ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝን ዝርድኦ እመስል። ኮሚሽን ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ዓለም ብምልካውነቱ ኣዝዩ ዝተለለየ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሉ ከሎ፡ ምስ መሰል ሰብኣውነትን ጠለብ ምፍታሕ ጋዜጠኛ ሽወደናዊ ኢሳቕን ግን እዚ ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰማማዕ ኣይደልን።

“ብሓቂ ንእሱር መሳርሕትኹም ክትሕግዙ ድልየት እንተልዩኩም፡ ብዛዕብኡ ንእትዝርግሕዎ ጽሑፋት ንዅነታቱ ከማሓይሽ ዝኽእል እንተዀይኑ ክትሓስብሉ ዘሎኩም ኢዩ﻾። ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ብተሌፎን mበዛዕባ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ።

tadeseናይ ኦሎምፒክ ማዳልያ ተሸላሚ ኮይኑ ንኤርትራ ኣብ ዓለም ዘጸውዐ በሃር ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብዚ ቐረባ
እዋን ኣብ ጉዳይ ስፖርት ነቐፌታዊ ርእይቶታት ብምቕራቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ስለዝተኸልከለ ሎሚ 21
መስከረም ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዘርላንድስ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ “ዳም ቱ

ዳም” ክሳተፍ
ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብድሮ ናይቲ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ዝተቐትለሉ ምሸት ምስኡ ዘምሰየ ተወልደ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብታ ምሸት
‘ቲኣ ተፈላልዮም ነናብ መካይኖም ክኸዱ ኸለዉ ተወልደ ሰለስተ ዝኾኑ ሰባት ብሓይሊ እናኣስገደዱ ናብ መኪና
ክሰቕሉዎ ስለዝረኣየ፡ ሽዑ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝረኣዮ ንዝምልከቶም ሰባት ይሕብር፡ እቶም ሓበሬታ
ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ንፖሊስ የመልክቱ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

RWBኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡  ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።