Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት 24 ግንቦት ካብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ 300 ናቕፋ፡ ካብ ሰብ ትካል ድማ 500 ናቕፋ ክዋጻእ ዘገድድ መምርሒ ኣውጺኡ ድሮ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት 24 ግንቦት ካብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ 300 ናቕፋ፡ ካብ ሰብ ትካል ድማ 500 ናቕፋ ክዋጻእ ዘገድድ መምርሒ ኣውጺኡ ድሮ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

EPDPትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡

ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

isaiasፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን  ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡

ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ  ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም። 

ሰፊሕ ፈስቲቫል ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ኣብ በይ ኤርያ፡ ከተማ ኦክላንድ፡ ካሊፈርነያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ (U.S.A)

ኣብ ከተማ ከለን ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን፡ መበል 17 ዓመት ናጽነት ሃገርና ንምጽንባል ድሙቕ ባህላዊ ሳዕስዒትን ጸወታን ኣዳልዩ ንኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ይዕድም።

ቅነ ከለን ምኽንያት ብምግባር ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ንሙሁራት ጀመናውያን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ጀርመናውያን ኣዕሩኽ ኤርትራ ዕድመ ብምግባር ክፉት ሰሚናር ኣካይዱ፡