Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዚ ጽሑፍ ብዘይካ መእተውን ኣብ መደምደምታ ዘሎ ጽሑፍ ብሙሉእ ቅዳሕ ጋዜጣ ብርሃን ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም መብዛሕትና ደቂ ሰባት ብተስፋን እምነትን ኢና እንነብር።  ደቂ ሰባት እታ ሃገረይ ኢሎም ዝኾርዑላን ዝንየቱላን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ መሰሎም ተሓልዩ ክኸብሩላን ክጽዕሩላን ክከላኸሉላን ናይ ነብስወከፍ ሃገራዊ መሰልን ግቡእን እዩ። ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዘይከብርን ምእኩል ምሕደራ ምስ ዘይህሉን ወይ ውን ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምጣኔ ሃብታዊ ዝርገሐን ሕማቕ ምሕደራን ዝስዕብ ስእነት ሰላምን ዓጸቦን ምስ ዘጋጥም እምነትን ተስፋን ኣብቂዔን፡ ዜጋታት ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይራኣዩ።

ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ጥሜትን ተሸኺላ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቅናን  ጭፍጨፋ ስርዓት ኢሳያስ ከይኣኽሎምስ ብጥሜት ተጠቒዖም ገዛውቶም ዓጽዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ኣብ ዝመርሖም ይጠፍኡን ብጥሜት ይሃልቁን  ምህላዎም ዓይንናኳ እንተዘይርኣየ እቲ ሕማቕ ወረስ ኣይትሓብኣናን። ንሰምዕ ኣሎና። ካብ ብኽያትን ጓህን ሓሊፍና ክንሕግዝ ብዘይምኽኣልና ከኣ ንሓዝን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካይድ ክታሞም ዝተነብሮ መወዋዕታ ኣቕሪቦም ካብ ዝነበሩ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ሓደ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ተሰዲዱ ዝነብር ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት፡ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም፡ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።