Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መፈጸምታ ነቲ ብኣባላት ጉጅለ ህግደፍ ክካየድ ዝጸነሔ ናይ ምዝመዛ ወፍሪ ኣብ ዙርያ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ከተማ ርያድ ሓፋሽ ህዝቢ ዘፍሸሎ ኣኼቦኦም ንምጽጋን ከመይ? ኣበይ? መዓስ? ምስመን? ንዝብል ሕቶታት መጽናዕቲ ድሕሪ ምውሳዶም (መኸተ) ብዝብል ጭርሖ ተሰምዩ ካብ ደሞዝ ሙሉእ ንላዕሊ ግምት ዝተዋህቦ ወፍሪ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዳግማይ ሓፈሻዊ ኣኼባ ተኣዊጁ ንዕለት 14.03.2008 ኣብ ከተማ ርያድ ብተጽዕኖን ጸቕጥን ናይ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ፍርቂ ደሞዝ ከምዝጸደቐ ካብ ውሽጢ ኣኼባ ዝመጸና ሉኡኽ ሓቢሩ።