Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Bostonዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Bostonየእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ምህላዋን፣

 ሽማግለ ኤ.ደ.መ.ዘ. ቦስቶንን ከባብን ኣብዚ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ዝኸፈአ ጥርዚ በጺሑሉ ዘሎ ተኣፋፊ እዋን: ኣብቲ ዘይጋነነን ታሪኽ ውፉይነት ቦስቶንን ከባብን ጸግዒ እምነት ብምግባር፣ በዚ ዝስዕብ ኣርእስታት ክንዝትን ክንውስንን ንኹሉ ኤርትራዊ/ት ብትሕትና ንዕድም።