Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።

PFDJእቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

tadeseናይ ኦሎምፒክ ማዳልያ ተሸላሚ ኮይኑ ንኤርትራ ኣብ ዓለም ዘጸውዐ በሃር ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብዚ ቐረባ
እዋን ኣብ ጉዳይ ስፖርት ነቐፌታዊ ርእይቶታት ብምቕራቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ስለዝተኸልከለ ሎሚ 21
መስከረም ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዘርላንድስ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ “ዳም ቱ

ዳም” ክሳተፍ
ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።