Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

    • ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነቲ/ታ፡ ኣብዚ ትማሊ፡ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ በት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN) ዝተገበረ፡ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለው፡ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዘይዋዓለ/ት ኤርትራዊ፡ ክቀኒእ፡ ወይ እውን፡ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘይምውዓሉ፡ ከጣዕሶ፡ ኢለ ኣይኮንኩን።

ስርዓት ህግደፍ ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ በቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ብዘይካ እሺ ከልእ ቃል ዘይምለሱ ልኡኻቱ ኣንባሳደራት ኣቢሉ ሓደ ዓቢ ድራማ ክሰርሕ መደባቱ ኣብ ኣስመራ ኣጻፊፉ ንኩሎም ነናብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ከምዝምለሱ ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልማድ ወተሃደራዊ ዕልዋን ቅትለት መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕፍር ዛንታ ኮይኑ ብባጫ ዝዕለለሉ እዋን ነይሩ እዩ። እኳ ደኣ ናይ ቀረባ እዋን። ኢሳይያስ ዝመራሒኦም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ንብዓል ኢድ ኣሚንን ሙቡቱ ሰሰሴኮን ከላግጹሎም ይውዕሉ ስለዝነበሩ፡ ከምኣቶም ክኾኑ እዮም ኢሉ ዝተጸበየ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ‘እኩባት ጋዋኑ’ ክብሎም ከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ‘ኣብነታውያን መራሕቲ ክህልዉና እዮም’ ኢሉ ሃነን ዝበለ ‘ምበር ነቲ ጽዩፍ ቋንቍኡ ዓገብ ዝበለ ‘ውን ኣይነበረናን።

ኣቀዲመ ነቲ 05፡ ግንቦት 2008 እተካይድዎ ጉባኤ ዓወትን ኣሳልጦን ብዓብይኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ፍናንን ተስፋን፡ ንህግደፋውያንን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ራዕድን ሰለሎን ኣመዝጊቡ ንክወጽእ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም።

ይሰራሕ ወይ ይፈንጣሕ ዝቓናኡ ቅብጸታዊ ኣተሓሳስባ ክሳራ እዩ። ሃገር ካብ ምውናንና ንዝርከብ መኽሰብ ምሉእ ንምግባር ደኣ ክንዕጠቕ ኣለና ‘ምበር፡ ብሰሪ ሕመቕና ንዝጎደለ መቐረትን ላዛን መመኽኔታ ዕንወት ሃገር ክንገብሮ ኣይግባእን።