Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Nghistiሓፍትና ተጋዳሊት ንግስቲ መንግስቱ፡ በዓልቲ ቤቱ ንነፍሲሄር ተጋዳላይ ተኽልማርያም ግርማጽየን (ባሻይ) ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ቸይስ ፋርም ሆስፒታል ኣብ ለንደን ኪትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 49 ዓመታ ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 4፡10 ድሕሪ ቐትሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል (ጋሕተላይ) ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቒሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Mihretab

ምሕረታኣብ ማሪቆስ ተስፋይ ዝተባህለ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ዜጋ ድሕሪ ናጽነት 1991 ናብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ደሃዩ ስለዝጠፍኣና ሃለዋቱ ዝፈልጥ ሰብ እንተሎ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

Biteweded Abraha Assennaስርዓት ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ የሕቅቖም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሓደ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ እዩ። ቢተወደድ ኣብርሃ ንውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ብኣግኡ ስለዝተቓወመ ንልዕሊ 17 ዓመት ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሓቅቕ ኣሎ። ነዚ ጸሓይ ናጽነት ኣምጺኡ ጸሃይ ንጽነት ዘይረኣየ መትከላዊ ተጋዳላይ ስርዓት ህግደፍ ክርሳዕ እዩ ዝደልዮ፡ ንሕና ግን ወትሩ ክንዝክሮ ይግባእ።

stካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስና ኣትሒዙ ጋዜጠኛ ዝነበረ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ – 2007 ” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።