Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ቴለቪዥን ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ናይ ቡዛሓት ሃገራት ኣፍሪካ ከተዘንቱ ቀንያ። ቀንያ ጥራይ ዘይኮነ ግን መልክዕ ናይቲ ታሪኽን ተፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ገበናት ካኣ ቀዳማዩን ደሕረዋዩን ሓዋዊሳ ኮታ የታልል ይኸውንዩ ተባሂሉ ብዶኩመንታሪ ፊልምታት ዝተሰነየ መደብ ኣቕሪባ።

TVኣብ ኤሪ-ቲቪ ኤዲተር ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ጆኒ ሕሳቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ደሃዩ ጠፊኡ ምህላዉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት  ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ።

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።