Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣለናነቲ ሓደ ግዱስን ተባዕን ኤርትራዊ ተጋዳላይ ‘ኣለና’ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡ “ ትልሚ፡ ንዘርኢ ክርዳድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተኸታታሊ ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ፡ ብዓረብን ብእንግሊዝኛን ተተርጕሙ ክቐርብ ብዙሓት ተኸታተልትና ርእይቶ የቕርቡልና ኣለዉ።

ብ18ን 19ን መስከረም 2001፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ገዳይምን ህቡባትን ተጋደልቲ (G15)፡ ፕረዚደንት ብሕጊ ኪቕየድ፡ ቅዋም ኪትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኪርከብ፡ ናጻ ፖለቲካውያን ማሕበራትን ሰልፍታትን ኪቆማ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኪፈርስ፡ ሃገራዊ ገምጋም ስራሕ ኪግበር፡ ብምሕታት ናብ ህዝብን ተጋደልትን ቅሉዕ ደብዳቤ ዝጸሓፉ መራሕቲ፡ ብንግሁኡ ተሃዲኖም ተወሲዶም ደሃዮም ጠፍኤ።

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ።