Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Somalilandኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ።

እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ በድራጋ እናተኮሱሎም፡ ናብ ኩሉ መኣዝናት፡ ንኢትዮጵያ፡ ንሱዳን፡ ንየመን ይጸሩ ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ በዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” እያ ትብል ዘላ።