Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Torontoልኡኽ ቶሮንቶ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ድሕሪ ናብ ቶሮንቶ ምምላስ፡ ኮሚቴ ቶሮንቶ ብዛዕባ ውጽኢታት ሃገራዊ ዋዕላ መብርሂታት ክህብን ዘተታት ከካይድን ስለዝኾነ ከምኡውን ናይ መጻኢ ዕማማት ክቕይስ መደብ ስለዘለዎን ኩሉኹም ኤርትራውያን ናብዚ መኣዲ ዘተ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።