Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ንኸይልዓል ዓጊቱ ሒዙ ዘሎ ክውንነታት ከቕርብ`የ። ብቐጻሊ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክፋል ጽሑፈይ ኣንጠንጢለ ዝገደፍኩዎ ዓቢ ሕቶ: እናመለስኩ ክጓዓዝ`የ።

ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ይሃርሞ ዶኾን ዓድና… (ካብ ዜማታት ነፍሲሄር የማነ ባርያ)

ናይ ኤርትራ ነጻነት፡ ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ኮይነ ኣብዒለዮ። ኣብዚ ህሞት`ዚ፡ ብሓንሳብ ፡ ሓያል ናይ ሓጎስ ስምዒተይ ብሓደ ወገን  ንሕልናይ ዝወቅስ ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ጊዜ ጦብላሕ በሉኒ። ኤርትራ ነጻነታ ጨቢጣ!!  ዕ-ል-ል-ል-ል-ል!! እብል።