Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

enoughኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

እቲ ብሲቭካዊ ማሕበር ኤርትራውያን ላስቬጋስ ዝተዳለወ ጽምብል  መበል 19 ዓመት ዕለተ ነጻነት ሃገርና ብረቡዕ 26 ግንቦት 2010 አብ ኢታልያን አሜሪካን ክላብ ብዓቢ ድምቐት ተጸምቢሉ ሓዲሩ።

Sutgart celebrationብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ  ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡

Oaklandኣብ በይ ኤርያ፡ ክልተ በዓላት ነጻነት ክብዓል ይዳሎ’ሎ ተባሂሉ ክዝረብ ይስማዕ። ከምኡ ክኸውንሲ ኣይምተግብኦን ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰዓቦ፡ ጠንቁ ንምድህሳስ ዝተዳኸመ ወይ ከኣ ዘይገደሶ ይመስል።

1.ትርጉም ነጻነት (Independence) ብዘይ ዝኮነ ሓርነታት(Liberty and freedom) ደቒ ሰባት ባዶሽ እዩ። እዚ ክብሃል ከሎ ግን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ መግዛእቲ (Colony) የለን እንታይደኣ ጭው ዝብለ ምልኺ- ሕገ-ኣልቦ ዝኮነ ስርዓት ኣጋጢሙና ናይ ታሪኽ ሓደጋ ወዲቑና ኣሎ። እንተኮነ ግን በዚ ተስፋ ከይቖረጽና ከም'ቲ ብዘይተሓለለ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ዝተረጋገጸ ሓርነታት ደቒ ሰባት ወይ'ውን ዲሞክራሲያዊ ቕዋማዊ መንግስቲ ዝተረጋገጸላ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና፤ ኩሉ ኤርትራዊ ናተይ፤ ሃገረይ ኢሉ ዝምክሓላ ኤርትራ ትነግሰሉ ክትመጽእ ምኳና ምልክትን ተስፋን እትህበና ዕለት ምኳና እያ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚ ተስፉ ዝህቡ ግጥምታት ክግጠሙ። ተስፉ ዝህቡ ደርፍታት ክሕተሙ፤ ተስፉ ዝህቡ ማሰታት ክፍነዉ እላቦ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚኣ ጓይላ ጌርካ ሰልሶ ከይበልካ ገዲፍካዮ ኬድካ ድሓር ማለት ኣብ ግዜ ምልኡነት ነጻነት ክንብሎ ኢና እትብለሉ ባህሊ ክጥረ እላቦ።

መበል 17 ብዓል ነጻነት: ኣብ ለንዶን; ኣቀራርባ ዜና ዝእመን ኮይኑ ክቐርብ ይግባእ። ለበዋ ንኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ- ዜና ኪዳን

እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።