Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመት መሪር ኩናትን ከቢድ መስዋእትን፤ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዝነብር ህዝብና እምቢ ንመግዛእቲ ስለ ዝበለ ነቲ ሰውራ ዓቢ ደገፍ ኮይኑዎ ውፅኢት ናቱ ድማ   ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ውፂኣ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ እቲ ኹሉ መስዋእትን መውጋእትን ንነፃነትን፤ፍትሕን፤ ዴሞክራስን’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ግዳ ኣመል ክሳብ መግነዝ ኮይኑ እቲ ብስቱርን ኣብ ሩሑቕ በረኻ ዝግበር ዝነበረ ህልቂት ንፁሃት ተጋደልትን ገባርን፤ ድሕሪ ነፃነት’ውን ኣብ ቅሉዕ ቦታን ኣብ ከተማን ተደጊሱ።