Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰላም ኤርትራውያን ድልየትና ስምርትን ምዕብልትን ኤርትራ ክጋሃድ ይምነ፡

እዚ ዘለናዮ ወርሒ ወርሒ ባዓል ነጻነት ኢዩ፡ ነጻነትና ብቖጺርካን ጸዊኻን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ውርደት, ስቓይ, ዓመጽ, ቅትለት, ስደት, ሕስረት ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቦን, ኒሕን, ቆራጽነትን, ሓርበኝነትን, ቃልሲን, መስዋእትን መውጋእትን ኤርትራውያን ነጻነት ተረጋጊጹ፡፡

ንሓው መኮነን ዓንደሚካኤልን ኩላትኩም ኣንበብቲን፡

ብቐዳምነት: ንጹሑፋት መኮነን ብስሙ ወጺኡ ክንሱ: ብናይ ብርዒ ስም ከም ዝወጸ ገይረ ስለ እተረዳእኩዎ ጌጋይ ይቕበል:: ብርግጽ ሕጂ እቲ ምንጪ-ጽሑፍ ህግደፍ ከምዘይኮነ ፈሊጠ ኣለኹ:: እዚ ግን ንዝተረፈ ርእይቶይ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ኣይቅይሮን::

ብበረኸት ስቲፋኖስ – ዋሽንግተን ዲሲ

እዚ ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባቲ “ብወፊሮም ገዝኦም ዘይተመልሱ” ዝብል ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፍ ርእይቶይ ንምሃብ ዘቕርቦ ዘለኹ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናተይ ናይ በይነይ ርእይቶ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።