Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

leedsብዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ኣብ ሊድስ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ዘተ ጌርና ምንባርና ይዝከር። እታ ዕለት ዝፈረየታ ግዝያዊት ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰፊሕ ኣኼባ ንኽትጽውዕ ብምልባው ዘተና ብውዕውዕ ሃገራዊ ስሞዒት ዛዚምና። ግዝያዊት ኮሚቴ ዝተዋህባ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ ንምቕራብን ንዝሰሐ ሃገራዊ ዘተ ንምግባርን ንዕልት 28 ግንቦት 2011 ሰዓት 2 ድ. ቀ. ኣብ ዩክሬንያን ኮሙኒቲ ሰንተር ክትርከቡ ትዕድም።

dcነቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘየብሉ ኣደራዕ ናብ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካን ዓለምን ህጹጽ መጸዋዕታ ንምግባርን ፍታሕ ንምንዳይን “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።

genevaኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።

ንዕለት 21.11.2009 ኣብ ከተማ ማንሃይም ንዝኽሪ 30 ዓመት ብሃማደኤ ዝፍለጥ ማሕበር ተዳልዩ ዘሎ በዓል፤ ንጥቅሚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዘይምቅላሱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ውጽኢቱ ንመጨፍለቅን መቅዘፍን ዝዓበየን ዝነኣሰን ህዝቢ ኤርትራ ዝውዕል፡ ብስም ኤርትራውያን ንረብሓ ምልኪ ዘውደክድኽን ዝዕልልን ዘሎ ማሕበር  እዩ።

ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ  ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ንዕለት 18.07.2009 ዓ.ም ካብ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕለትዝን ሰዓትን ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ

READ MORE

fidelመንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶና፡ ንዉላድና ዝኾነ ፊደል ኣማንኤል መንግስ፡፡ ወዲ ሽሞንተ ዓመት ሕጻን፡ ካባና ካብ ወለዱ ፈልዩ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ናባና  ንከይመጽእ ከልኪልዎ ይርከብ።

ንቐዳም ዕለት 12.07.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኪፍጸም ዝተመደበ ካብ መላእ ሃገር ጀርመን ብዝመጹ ውልቀ
ሰባትን ኣባላት ኩለን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዚሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኪኸውን
እዩ።