Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ስዊስ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱን ነበርትን ኤርትራውያን።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይከብረሉ፣ መንእስያትና ግዳያት ናይ ምድረበዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾንሉ፣ ብሰንኪ ጉጉይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ ፣ ብሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ነዚ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኣምሲልካ፣ ንገርሂ ህዝብና ንምድንጋር ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ጌርካ ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ድማ ኣይኮነን። ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ዘሎ መራሒኦም ዕድሜ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ኮንቱ ፈተነ ኢዩ።

ጀኔቭ፣30/09/2009: ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ዙሪክን ከባቢኣን ንቓልሲ ይለዓሉ !

ብቐዳምነት ዓበይቲ በዓላት ናይ ክልተ እምነታትና ኣብዒልና እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብቓዓና ንብል። ወርሒ መስከረም ኣብ ቓልስና፣ ኣደ ምምካትን፣ ኣደ ጽንዓትን፣ ስለ ዝኾነት ኩልና ካብኣ ክንመሃር፣ እቲ ክፍጸም ዘይክኣል ዝነበረ ሓይሊ ፣ ሓደ ብሓደ ዝሰዒርና፣ ሳላ እምነትናን ተስፋናን ኢዩ፣

24 ግንቦት እቲ ቐንዲ ዕላማኣን ምስጢራን ኣገባብ ኣባዓዕላኣን ከይሓዘት፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ጀሆ ኮይና ብህግደፍ እትምእከል በዓል ነጻነት መደለቢት ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንንግስነት መራሒ ህግደፍ ክንቕበል፣ ንጭቖናኡ እህህ ከይበልና ክንውሕጥ፣ ሃገር ብኹሉ መደይ እናኣንልቖለት ከላ ዓይንና ክንዕምት፣ እሱራት ፖሎቲካ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑን ከእዉዩን እዝንና ክንዓብስ፣ መንእሰያትና ሃጽ ኢሎም ክስደዱ  ከም’ቲ ንሱ ዝሕጭጨሎም ክንሕጭጭን ክንወራዘን ፣ ብሕጽር ዝበለ ውርሒ ግንቦት መንገዳ ሲሒታ፣ ታሪኽ ጀጋኑና ሓኺኻ፣ ንዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት ንክብርን ዝናን ፕረሲደንት ትባዓል ኣላ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ፣ ከም ኣመሎም ህዝቢ ከደናግሩን ክሓልቡን ህግደፋውያን፣ንዕለት 01.11. 2008ዓም  ካብ ኤርትራ ተዋሳቲ ጉጅሌ ጸዊዖም፣ ሙዚቓ መደብ ኣዳሊዮም ኣለዉ። እዚ ናይ ሙዚቓ መደብ ኢዚ ኣታዊኡ ንበትሪ ወልቐ መላኺ ከም ዘተርርን ኣምሰዩኡ ከኣ መጨፍለቕን መጨቆንን ህዝብና ከም ዝውዕል ኣይትስሕትዎን ትኾኑ።

ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጸሓይ ከም ዘሎና ዝዝንግዑ ህግደፋውያን፣ ንህዝቢ ከታልሉ፣ ኣይከኣሉን። ተቓወምቲ ዜጋታት ተቐማጦ ስዊስ ነዚ መደብ ከይጀመረ ክፈሽል ንህዝቢ ብምምሃርን ብምምዓድን ጀመርናዮ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ’ቲ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ኣደራሽ፣ ተረኺብና “ቐዳምነት ቁዋማዊት ሃገር” “ንሕጊ ዝጸልእ ንባርነት የፍቅር” ዝብል ጭርሖን ዝዝርጋሕ ወረቓቕትን ሒዝና፣ ሰላማውን ሕጋውን ተቓውሞና ኣርኢና።