Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ዲክታቶር ኢሳያስ አብ ገድሊ አብ ውሽጢ ሰራዊት አብ መራሕቲ ውድብ፤ ላዕለዎት ካድራትን አብ ዝተፋላሰየ ጊዜ ንገለ ከቕርብ ንገለ ክፈሊ ከሎ አብ ውሽጢ መሰረታው ያን ሐይልታት’ውን ከም ሐላይን ውፉይን ተመሲሉ ብምቅራብ ፈላላይ ጥበቡ ካብ ንሐድነትን ንሰላምን ምእንቲ ስልጣኑ አንጻር ሐድንት ዝተቃለሶ ይዓቢ፡፡