Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

      ዲሲ…. ዝመጽእ ዘሎ (ሰነ-19- 22) ብዓይነቱ ፉሉይ ዝኾነ መኣዲ ዘተን ሰለማዊ ሰልፊን ከተእንግድ ኢያ፡፡ እዚ ብሕብረት ኤርትራዊያን ኣንጻር ምልኪ (EGS) ከምእውን እርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (EDA) ዝዳሎ ዘሎ ሲምፖዚዮም(symposium) ብዓይነቱ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነገራት ሓደ ጎኑ ንጎኒ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኤርትራዉያን ብሓደ ተኣኪቦም ጕዳይ ሃገሮም መጻኢ ዕድል ሕዝቦም ዝዝትዩሉን ዝካትዑሉን መድረኽ ዝሰርዔ ብሙኳኑ ኢዩ፡፡ እዚ ሲምፖዚዮም እዚ ዕውት ኮይኑ ክወጽእ ግና ነፍሲ ወከፍ ብሃገረይን ሕዝበይን ይግደስ ኢየ ዝብል ዜጋ ስምዕታ ዘይድልዮ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ይጠልብ፡፡