Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።

assennaድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ።

Mአድንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተዳለወ መደብ ንቐዳም 23 ሚያዝያ ኣብ Handworth Park B21 ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ ሰዓት 6፡00 -8፡00 ምሸት እዩ።

haiddlebergከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ  ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ  መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።

asenaምሓዙት ኣሰና ጨንፈር ዓዲ እነግሊዝ ኣሰና ሜድያ ፍውንዴሽን ንምሕጋዝ ቶሺባ ዝዓይነታ ላብቶብ ገዚኡ ክግበሮ ዝጸንሐ ሎቶሪ ንዕለት 30 ግነቦት 2010 ስዓት 6.00ድቀ ኣብ ከባቢ ሰቶክዌል ስቴሽን ክትወድቕ ወሲኑ ኣሎ.  ኩሉኹም ትኬት ዝገዛእኩም ንመን በጽሓቶ ብዓል ዕድል ንምምስካር ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም.

እታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ፈተውታ ብዘበርከቱዎ ወለንታዊ ፋይናንሳዊ ወፈያ ናብ ኤርትራ ብሳተላይት እተመሓላልፎ መደባት ራድዮ ዝጀመረትን ዘሳለየትን ድምጺ ኣሰና፡ ንዝሓለፈ ሓያለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ መሓዙት ኣሰና ብዘካየዱዎ ዘይሕለል ጎስጓስን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ግዱሳት ብዝሃቡዎ ኣውንታዊ ምላሽን ከም ዝተጠወረት ብምምልካት፡ ናይ‘ዚ ወርሒ ‘ዚ ባጀታ ብተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ክሽፈን ዘለዋ ተስፋ እናገለጸት፡ ነታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን፡ ተቐማጦ ለንደንን መላእ ዓባይ ብሪጣንያን ኢደይ ኢድካ ክብሉ ተዘኻኽር።

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !