Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

catholicchurchመባእታ

ብመጀመርያ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና። ንሕዝብና፡ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ንዝጸምኦ ሰላምን ፍትሕን ዝህብ፡ ንሕማቑን ጠንቂ ሓዘኑን ዝቕንጥጥን በዓለ ልደት ይግበረሉ።

ስርዓት ህግደፍ ንኹሉ ናይ ብሕቲ ጀራዲን ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2010 ክህገሮ (ክምንዝዖ) መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።